Victoria Legal Aid

Tigrinya/ትግርኛ

Tigrinya/ትግርኛ – ንሕጊ ኣብ ዝምልከቱ ጸገማት ብኸመይ ክንሕግዝ ክም.

ንሕጊ ኣብ ዝምልከቱ ጸገማት ብኸመይ ክንሕግዝ ክምንኽእል

እዚ መረዳእታ ኣብ መሬት Wurundjeri ዝተዳለወ እዩ።

እዚ መረዳእታ ትኽኽለኛ ዝኾኖ ካብ ጥሪ/January 2022 ዓ.ም እዩ።

ሕጋዊ ዝኾኑ ጸገማት ንዓኹም ናይ ጭንቐት፤ ፍርሒ፣ ሓዘን ወይ ቁጥዐ ስሚዒት ከሕድረልኹም ይኽእል እዩ። ምሳና ክትራኸቡ እንከለኹም ከም’ዚ ዓይነት ስሚዒት ክነብረኩም ከምዝኽእል ይርድኣና እዩ። ምስ ዘለኩም ሕጋዊ ዝኾነ ጸገም ክንሕግዘኩም ንኽእል ኢና።

ብዛዕባ ዘለኩም ሕጋዊ ዝኾነ ጸገም ብኸመይ ትነግሩና

ብዛዕባ ዘለኩም ሕጋዊ ዝኾነ ጸገም ንክትነግሩና ሰለስተ መንገዲታት ኣለዉ። ክትገብርዎ ትኽእሉ:

  • ን Legal Help ብስልኪ 1300 792 387 ምድዋል
  • ብናትና ወብቻት/webchat ተጠቒምኩም ብኦንላይን ናባና ምጽሓፍ
  • ብናትና ቢሮታት ናብ ሓዲኡ ምምጻእ ይኸውን።

ንምድላው፣ ብዛዕባ ዘለኩም ሕጋዊ ጸገም ዝኾነ ወረቓቕቲ ኣምጽእዎ። ወረቓቕቲ ማለት ካብ ቤት ፍርዲ፤ ሕጊ ጥበቓ ወይ ካብ ፖሊስ ዝተልኣኸ ናይ መቕጻዕቲ ወረቐት ወይኻዓ ደብዳበ ወይኻዓ ኢሜል ክኸውን ይኽእል።

1. ብስልኪ ዝወሃብ ሓገዝ Phone Legal Help

ናብ Legal Help ብስልኪ 1300 792 387 ክትድውሉ ትኽእሉ።

Legal Help ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፤ ካብ ንጕሆ ሰዓት 8 am ክሳብ ድሕሪ ቐትሪ 6 pm ክፍቲ እዩ። ኣብ ሕዝባዊ በዓላት ዕጽው እዩ።

ስልኪ መደወሊ ዋጋ ልኽዕ ከም ናይ’ቲ ከባቢ ስልኪ መደወሊ ክፍሊት እዩ።

ሕድሕድ ሰብ ናብ Legal Help ምድዋል ይኽእል።

ናብ Legal Help ክትድውሉ እንከለኹም ክትጽበዩ ከድልየኩም ይኽእል ይኸውን። እንተኺእልኩም ንጕሆ ቕድም ኢልኩም ደውሉ።

ብናትና ወብቻት/webchat ምጥቓም ዝቐልጠፈ ክኸውን ይኽእል።

ብቛንቛይ ክዛረብ እኽእል’ዶ?

ሰራሕተኛታትና ብዙሓት ቛንቛታት ይዛረቡ እዮም። ንናትኩም ቛንቛ ዘይንዛረብ እንተኾይንና ስልኪ ኣብትድውለሉ ግዘ ኣስተርጓማይ ከነዳልው ኢና።

ቛንቛኹም ንዛረብ እንተኾይና ብዝበለጸ ኣብ’ዚ ፍለጡ።

ዝኾነ/ካልእ ሰብ ንዓይ ክድውለለይ ይኽእል’ዶ?

እወ፤ ክትኣምኖ ትኽእል ሓደ ሰራሕተኛ ወይኻዓ ወሃቢ ደገፍ ክድውለልና ይኽእል። እቲ ሰራሕተኛ ወይኻዓ ወሃቢ ደገፍ ክድውል እንከሎ ምስኦም ብሓባር ክትከውን/ክትህሉ ብዝበለጸ ጽቡቕ እዩ። ሰራሕተኛታት ኣብ’ቲ ናይ ስልኪ መውጽኢ ዘለው መምርሒታት ክኽተሉ ኣለዎም።

ብናይ ሃገራዊ መቐባበሊ ኣገልግሎት National Relay Service ክጥቐም እኽእል’ዶ?

እወ፡ ዝተፈላለዩ መማረጺታት ኣለዉ:

  • TTY: 133 677 ደዊልኩም ካብኡ’ድማ 1300 792 387 ትድውሉ
  • Speak and Listen: 1300 555 727 ደዊልኩም ካብኡ 1300 792 387 ትድውሉ
  • Internet Relay/ኢንተርኔት መቐባበሊ/: ናብ nrschat.nrscall.gov.auExternal Link ኪዱ ብድሕሪኡ’ድማ 1300 792 387 ትድውሉ
  • SMS Relay/ብመልእኽቲ መቐባበሊ: ብጽሑፍ ብሞባይል ጌርካ ናብ 0423 677 767 ለኣኹ
  • Video Relay/ቪድዮ መቐባበሊ: ስካይፐ/Skype ወይኻዓ ሃገራዊ መቐባበሊ ኣገልግሎት ኣፕ/National Relay Service app. ተጠቐሙ።

ቅድሚ ናይ ሃገራዊ መቐባበሊ ኣገልግሎታት/National Relay Service ኣፕ ምጥቓምኩም ክትምዝገቡ ኣለኩም።

2. ብመንገዲ ወብቻት/webchat ናባና ጸሓፉ (ብእንግሊዝኛ ጥራይ)

ብዛዕባ ዘለኩም ሕጋዊ ጸገም ናብ ናትና ሰራሕተኛ መልእኽቲ ንምልኣኽ Legal Help Chat ብዝተብሃለ ናትና ወብቻት/webchat ተጠቐሙ። ሰራሕተኛታትና ምላሽ ክህብኹም እዮም። ተወሳኺ ሓገዝ ንምርካብ እንተደሊኹም ናብ Legal Help ንክትድውሉ ክሕብሩኹም ይኽእሉ እዮም።

3. መጺእኩም ርኣየና/ብጽሑና

ናብ ቢሮታትና መጺእኹም ክትርእዩና ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ መልበርንን ኣብ ክልላዊ ቪክቶሪያ ቢሮታት ኣለውና። ኣበይ ቢሮታት ከምዘለዉና ኣብ’ዚ ርኸቡ።

ንሕጊ ሰበሞያ ንክተዘራርቡ ቆፀሮ የድልየኩም።

ብናትና ቢሮታት ናይ መደገፊ ወይኻዓ መደያየቢ ሊፍትን ንእንስሳ መሓዙት ብዝኾነ ኣገልግሎታት ኣለዎ።

ክተዘራርበና እንከሎ እንታይ ከምዝፍጠር

ሕቶታት ክንሓተኩም ኢና። እዚ ናኣኹም እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከምንገብር ንምውሳን ይሕግዘና እዩ።

ናኣና ትዛረቦ ኩሉ ነገር ብምስጥር ይትሃዝ እዩ። ትኽእሉ ኢኹም ክሳብ ዘይበልኩምና ነቲ ተዛረብኩሞ መረዳእታ ንኻልእ ሰብ ኣውጺእና ኣይንህብን ኢና።

ምስ ብዙሓት ሕጋዊ ዝኾኑ ጸገማት ክንሕግዘኩም ንኽእል ኢና። ንዘቕረብኩሞም ሕቶታት መልሲ ምሃብ እንተዘይኺእልና፤ ክሕግዘኩም ንዝኽእል ዝኾነ ሰብ ዝርዝር ኣድራሻ ክንህበኩም ኢና። እዚ ናይ ማሕበረሰብ ሕጋዊ ዝኾነ ማእከል ወይኻዓ ናይ ግሊ ሕጊ ጠበቓ ክኸውን ይኽእል።

ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል

ሕጋዊ ዝኾነ መረዳእታን ምኽሪን

ብዛዕባ ሕጊን ዘለውኹም መማረጺታትን ክንሕብረኩም ንኽእል።

ከምዚ’ውን ብተወሳኺ ክንገብሮ ንኽእል:

  • ናባኹም መረዳእታ ንልእኸልኩም
  • ቅድሚ ቤት ፍርዲ ነዘራርበኩም
  • ምስ ኻልኦት ኣገልግሎታትን ደገፍ ውሃብቲን ክትራኸቡ ንገብር
  • ደብዳበታት ንጽሕፍ
  • ኣብ ቤት ፍርዲ ንኣኹም ወኪልና ንዛረብ

እዚ መሰረት ዝገብሮ/ኣብ’ዚኦም ይምርኮስ:

  • ብናትኩም ሕጋዊ ጸገም
  • ክንደይ ዝኸውን ገንዘብ ኣለኩም።

ካብ’ዞም ኣብ ታሕቲ ዘለው እንተሃልዩኩም ብዝበለጸ/ተወሳኺ ሓገዝ ክንገብረልኩም ንኽንእል ይኸውን:

  • ብእንግሊዝኛ ናይ ምዝራብ ጸገም እንተሃልይኩም
  • ናይ ኣካል ጕድዓተኛ ወይኻዓ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ጸገም እንተሃልዩኩም
  • ናይ ኣቦርጂናል ከምኡ’ውን/ወይኻዓ ቶረስ ስትራት ኣይላንደር እንተኾይንኩም እዩ።

ምሳና ርክብ ክትገብሩ ንኽትክእሉ ከም ናይ ኣስተርጓማይ ወይኻዓ ናይ ሃገራዊ መቐባበሊ ኣገልግሎት/National Relay Service ከነዳልወልኩም ንኽእል።

ንኣኹም ብዝሕግዝ መንገዲታት ክነዘራርበኩም ንኽእል ኢና።

ብኸመይ ጌርና መረዳእታ ክንህበኩም ከምትደሊዩ ንገሩና።

Duty lawyers (ተረኛ ክኢላታት ሕጊ/ጠበቓታት)

ናትና duty lawyers ኣብ ሙሉእ ቪክቶሪያ ኣብ ዘለዉ ቤት ፍርዲታት ይሰርሑ። ምስ ሓደሓደ ሕጋዊ ዝኾኑ ጸገማት ይሕግዙ እዮም። ናይ ሕጊ ጠበቓ እንተዘይሃልዩኩም ኣብ ቤት ፍርዲ ማዓልቲ ክሕግዙኹም ይኽእሉ። ናብ ቤት ፍርዲ ትኸዱ እንተኾይንኩም እሞ ናይ ሕጊ ጠበቓ እንተዘይሃልዩኩም ንናይ duty lawyer ክተዘራርቡ ትኽእሉ እንተኾይንኩም ነቲ ቤት ፍርዲ ሕተትዎ። ከምኡ’ውን ክሕግዘኩም ብዛዕባ ዝኽእል ኻልእ ሓገዝ እውን ክትሓቱ ትኽእሉ።

ፖሊስ ሕጊ ጥሒስኹም ብዝብል ምክንያት ናብ Magistrates’ Court (ወረዳ ማጅትረት ቤት ፍርዲ) ትኸዱ እንተኾይንኩም፤ ቕድሚ ናብ ቤት ፍርዲ ምኻድኩም ንናይ ተረኛ ሕጊ ሞያተኛ ክተዘራርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ ናትና ሓገዛት ቅድሚ ቤት ፍርዲ ኣብ Help Before Court service ተወሳኺ ርኸቡ።

ናብ Family Law Courts (ስድራቤታዊ ሕጊ ቤት ፍርዲታት) ትኸዱ እንተኾይንኩም ቕድሚ ናብ ቤት ፍርዲ ምኻድኩም ንናትና Family Advocacy and Support Services ክተዘራርቡ ትኽእሉ ትኾኑ ኢኹም።

ኻልእ ደገፍ

ንናትኩም ሕጋዊ ዝኾነ ጸገም ኻልእ ደገፍ ክንህበኩም ንኽእል ኢና።

ግዴታዊ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ሕክምና ትገብር እንተኾይንኩም፤ ንነጻ ጥዕና ኣእምሮ ዝጣበቕ Independent Mental Health AdvocacyExternal Link ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ።

ናትና ነጻ ምጥባቕ ቤተሰባትን ደገፍን ዘቕርብ Independent Family Advocacy and Support ንወለድን ቀንዲ ኣለይትን ኣብ’ቶም ቀዳሞት ደረጃታት ስርዓተ ምክልኻል ህጻን ሓገዝ ከቕርበልኩም ይኽእል እዩ።

ንስኹምን መጻምድትኹምን ክትፈላለዩ እንከሎኹም ኣብ ስምምዕ ክትበጽሑ ናትና ኣገልግሎት ምፍታሕ ዘይምርድዳኣት ዝህብ Family Dispute Resolution Service ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ንኣብነት መን ነቶም ቆልዑት ክዕቢ ከምዘለዎ።

ብዛዕባ ናትኩም ሕጋዊ ዝኾነ ጸገም ዝበለጸ/ተወሳኺ መረዳእታ ንምርካብ

ናትና ወብሳይት (website)ብዛዕባብዙሓት ዝተፈላለዩ ሕጋዊ ጸገማት መረዳእታታት ኣለዎ።

ነቲ ወብሳይት ብቐረባ ወይ ኣፍሪኹም ክትከፍትዎ ወይ ስክሪን መንበቢ ድምጺ ክትጥቀሙ ትኽእሉ።

ብቐሊሉ ዝንበብ ወይኻዓ ብናተይ ቛንቛ መረዳእታ ኣለኩም’ዶ?

ብዛዕባ ገለ ሕጋዊ ዝኾኑ ኣርዕስቲታት ብዝተፈላለዩ ቛንቛታትን ብቐሊሉ ዝንበቡን ብናጻ ዝወሃቡ ጽሑፋት/ንእሽቶ መጽሓፍቲታት ኣለውና።

እዞም ጽሑፋትና ኣብ ናትና ተኸታታላይ ዝርዝር ገጺ (catalogue pageExternal Link ) ክትረኽብዎም ትኽእሉ።

ንሕትመት ጽሑፋትና ከተንብቡ ናይ ገጽ/ስክሪን ብድምጺ መንበቢ ክትጥቀሙ ትኽእሉ።

ምስጋና

ናትና Shared Experience and Support ከምኡ’ውን Speaking from Experience ጕጅለታት ነዙይ ገጺ ኣብ ምጽሓፍ ሓጊዞም እዮም።

Disclaimer: The material in this print-out relates to the law as it applies in the state of Victoria. It is intended as a general guide only. Readers should not act on the basis of any material in this print-out without getting legal advice about their own particular situations. Victoria Legal Aid disclaims any liability howsoever caused to any person in respect of any action taken in reliance on the contents of the publication.

We help Victorians with their legal problems and represent those who need it most. Find legal answers, chat with us online, or call us. You can speak to us in English or ask for an interpreter. You can also find more legal information at www.legalaid.vic.gov.au

Reviewed 20 May 2022

In this section